ኣብ ህንፀት ግድብ መስኖ ዝተዋፈሩ ተቛረፅቲ ሲሚንቶ ብቐጥታ ካብ ፋብሪካ ንኽወስዱ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀታት ግድብ መስኖ እንተይተቆራረፁን ብቕልጡፍ ንኽዛዘሙን ተቛረፅቲ ሲሚንቶ ብቐጥታ ካብ ፋብሪካ ንኽወስዱ ምስ ኣፍረይቲ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ሚኒስቴር መዓድን ገሊፁ።

ሚኒስትር ኢንጂነር ታከለ ኡማ፥ ኣብ ቆላማ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝግበሩ ህንፀታት ግድብ መስኖ ዘለዎም ሕፅረት ሲሚንቶ ብዝልከት ምስ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ብምዃን ምስ ኣፍረይቲ ሲሚንቶ ልዝብ ምግባሮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዝለጠፉዎ ፅሑፍ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ህንፀታት ግድብ መስኖ እንተይተቆራረፁን ብቕልጡፍ ንኽዛዘሙን፥ ህንፀት ዘሳልጡ ተቛረፅቲ ካብ ፋብሪካ ብቐጥታ ሲሚንቶ ንኽወስዱ ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ምስ ኣፍረይቲ ምርድዳእ ተገይሩ ኢሎም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment