ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ኣብ ዘሎ ፍርስራስ ኣርባዕተ ሰባት ብህይወት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ኣብ ዘሎ ፍርስራስ ኣርባዕተ ሰባት ብህይወት ተረኺቦም።

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ 195 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ካልኦት 200 ሰባት ድማ ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥን ተገሊፁ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት እታ ሃገር ብመሰረት ዝገበርዎ ርብርብ ንሰለስተ መዓልታት ኣብቲ ፍርስራስ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ብህይወት ከምዝተረኸቡ ማላይ ሜይል ፀብፂቡ።

ካብ መንጎ እቶም ብህይወት ዝተረኸቡ እቲ ሓደ ጉድኣት እንተጋጥሞ እቶም ሰለስተ ግን ምንም ዓይነት ጉድኣት ከምዘየጋጠሞም ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment