ኣብ ህንዲ ብዘይተፈለጠ ሕማም ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ህንዲ እንታይነቱ ብዘይተፈለጠ ሕማም ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ናብ ሆስፒታል ምእታዎም ተገሊፁ።
ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ኣንድራ ፕራዴሽ ዝነብሩ ሰባት፥ እንታይነቱ ብዘይተፈለጠ ሕማም እንተነኣሰ ሕደሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈን 227 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉን ተሓቢሩ፡፡
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 70 ዝኾኑ ሰባት ካብ ሆስፒታል ከምዝወፅኡን 157 ዝኾኑ ግን ሕዚ እውን ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡን ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ሕማም ዝሓዞም ሰባት፥ ባዕሎም ስሒቶም ምውዳቕን ሚን ሚኒ ምባልን ዝበሉ ምልክታት ከምተረኣዮም ሰብ ሞያታት ጥዕና ገሊጾም፡፡
እቶም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ሕሙማት ኩሎም ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኸውን፥ ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ተፈሊጡ፡፡
እንታይነት እቲ ሕማም ንምፍላጥ ምርመራ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡
ፍልፍለ፡- ቢቢሲ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
Comments (0)
Add Comment