ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ብምፍጣር ኢትዮጵያ ምህናፅ ይግባእ – ኣይተ ታዬ ደንደኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሓፁር ምፍልላይ ብምውፃእ ኣን ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያት ሓበራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ንኢትዮጵያ ብሓባር ምህናፅ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ክኸውን ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ታዬ ደንደኣ ገሊፆም።

“ሃገራዊ መነት ንጥንኩር ህንፀት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣበ ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያት ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝዓለመ ፓናል ዘተ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተረኺም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ታዬ ደንደኣ÷ ሃገር ንምኽባር ናፅነት፣ ሰላም፣ ክብሪን ረብሓን ዜጋታት መሰረት ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

ኣብ ሞንጎ ዜጋታትን ልሂቃንን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ምፍጣር ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ካብ ሓፁር ምፍልላይ ብምውፃእ ኣብ ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያት ሓበራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ንኢትዮጵያ ብሓባር ምህናፅ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዜጋታት ዋሕስ ረብሐኦም፣ ክብሮምን ናፅነቶምን ዝኾነት ጥንክርቲ ሃገር ንምህናፅ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment