ኣብ ሃገራዊ ድሌት ዘፈር መዓድን ምድሃብን ምዕባይ ዕዳጋ ወፃኢን ቀፀልቲ ናይ ትኹረት ኣንፈታት ኢዮም – ኢ/ር ታከለ ኡማ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራዊ ድሌት ዘፈር መዓድን ምድሃብን ምዕባይ ዕዳጋ ወፃኢን ቀፀልቲ ናይ ትኹረት ኣንፈታት ከምዝኾኑ ሚኒስትር መዓድንን ኢነርጂን ኢንጅነር ታከለ ኡማ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ዓሞቕቲ ቦታታት ሃፍቲ ዘፈር መዓድንን ነዳዲን ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ብዝምልከት ንነዊሕ እዋን ዝተፀንዑ መፅናዕቲታት ብሓባር ብምውዳድ ንፍርያት ድሉዋት ዝኾኑ ቦታታት ከምዝተፈለዩ ኣገንዚቦም፡፡

እቶም ዝተዳለዉ ቦታታት ስረሖም ብግቡእ ብዘይምስላጦም ፍቓዶም ካብ ዝተሓደጉ ቦታታት ከምዝተኻተቱ ዝገለፁ ኢንጅነር ታከለ፥ ኣብ ቀፃሊ እዋን ድማ እቶም ቦታታት ንውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ትካላት ክፍቲ ከምዝግበሩ ተዛሪቦም።

እቶም ቦታታት ናብ ስራሕ ንምእታው እውን ኣብ ቀረባ እዋን ዓለም ለኸ ጨረታ ክወፅእ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ሃፍቲታት መዓድንን ነዳዲን ብምፍላጥ ኢንቨስትመንት ብምስሓብ መራኸብቲ ሓፋሽ ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment