ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራዊ ዘተ ኩሉ ዜጋ ኣጀንዳ ዘመዝግበሉ ኣሰራርሓ ከምዝህሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ፥ ሓሳባት እቲ ዘተ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ከምዝእከቡ ተዛሪቦም።
ኣብ እዋን እቲ ዘተ ሰብ ድላዩ ሓሳብ ናይ ምልዓል መሰል ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ እቲ ኮሚሽን ኣብ ኣጀንዳታት ኢዱ ከምዘየእቲ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ከከምኩነታቱ ኣብያተ ፅሕፈት ከምዝጣየሽ ዝሓበሩ ፕሮፌሰር መስፍን፥ መርሃ ገብሪ ቤት ምኽሪ እቲ ኮሚሽን ከምዝተሰናድአ ተዛሪቦም።
ሰትራቴጂክ ትልሚ ንመዳርግቲ ኣካላት ብምቕራብ እታዎታት ከምዝእክብ እውን ኣብሪሆም።
ኣብ ሃገራዊ ዘተ ኩሉ ዜጋ ኣጀንዳ ዘመዝግበሉ ኣሰራርሓ ከምዝህሉ እወን ገሊፆም።
ብታደሰ ሽፈራው