ኣብ ሃገራዊ ተጋላፅት ስግኣት ዘድሀበ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካልኣይ ተግባር ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ፣ ግብረራዕዲ ብገንዘባዊ ሓገዝ ምግባርን ተተሓሓዝቲ ገበናት ኢኮኖሚን ፋይናንስን ዘተኮረ መፅናዕቲ ብዕሊ ተኸፊቱ።

ሚኒስት ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል እቲ መድረኽ እንትኸፍታ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ናብ ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ንምእታው ምድላው እናገበረት ኣብትርከበሉ እዋን ባንኪ ዓለም ይዝገብሮ ንዘሎ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊነን።

ኣብ ግሩፕ ባንኪ ዓለም ዋና ዳይሬክተር ምብራቕ ኣፍሪካ ኦስማን ዲዮን ብግደኦም፥ ኢትጵያ ገበን ገንዘብ ብብቕዓት ንምፅዋር ዘኽእል ጥንኩር ስርዓት ንምዝርጋሕ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ትካሎም ሓጋዚ ኮይኑ ከምዝቕፅል ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment