ኣብ ሃገረ ማይናማር ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጦር ማይናማር ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ንመራሒት እታ ሃገር ኡንግ ሱ ኪን ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ፡፡

ካብ ኡንግ ሱ ኪን ብተወሳኺ ላዕለዎት ስብ መዚ መንግስቲ ከምዝተትሓዙ እውን ተሓቢሩ፡፡

ነቲ ስልጣን ዝተቖፃፀረ ጦር ሰራዊት፥ ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ህፁፅ እዋን እቶ እቶ ምእዋጁ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ሰርቪስን ሰራዊት ምክልኻልን እታ ሃገር ምስ ጉዳይ መረፃ ተተሓሒዙ ዝይምስምዕማዕ ምፍጣሩ ስዒቡ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ማይናማር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2011 ኣብ ትሕቲ ወታደራዊ ኣገዛዝኣ ምፅናሓ ዝዝከር ኢዩ፡፡

ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ኣሳን ሱ ኪ፥ ለም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1989 ጀሚረን ክሳብ 2010 ኣብ ዘሎ እዋን ን15 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፀኒሐን ኢየን፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ሕዳር 2015 ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ድማ መራሒት ሰልፊ ናሽናል ሊግ ንዴሞክራሲ ብምዃን እቲ ውድብ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ክስዕር ገይረንኦ።

ካውንስለር እታ ሃገር ምስ ኮና ግና ኣብ ልዕሊ እስላም ሮሂንጊያ ብዝነበረ ኣተሓሕዛ ይንቀፋ።

ኣብ 2017 ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሮሂንጋውያን ብምኽንያት ኣብ ማእከል ፖሊስ ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ድሕሪ ዘጋጠሞም መጥቃዕቲ ናብ ጎረቤት ባንግላድሽ ተሰዲዶም ምስዳዶም ይዝከር።

ነቲ ዝተፈፀመ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ፥ ኣሜሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝቃወም መግለፂ ኣውፂአን፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment