ኣብ ሃዋሳ ዝነብሩ ተጋሩ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ክሕደት ሃገር ኢዩ ክብሉ ኣውጊዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃዋሳ ዝነብሩ ተጋሩ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘብፅሖ መጥቃዕቲ መሕፈሪን ክሕደት ሃገርን ኢዩ ክብሉ ኣውጊዞም።

እቶም ነበርቲ ምስ ምምሕዳር እቲ ከተማን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልን ተዛቲዮም።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ረዳት ፕሮፌሰር ጸጋዬ ቱኬ÷ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ተሓቢኡ ኲናት ምኽፋቱ መሕዘኒን መሕፈሪን ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንሰላም ደው ክብል ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግደኦም፥ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ብዝፈጥሮም ፀገማት ፀፅታ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ብዘብፅሖ ኪሳራ ልዑል ሓዘን ከምዝተሰመዖም ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ተንኮሉ ብምስፋሕ ንሃገር ደጀን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ኢትዮጵያዊ ካብ ዝኾነ ወገን ትፅቢት ዘይግበረሉ መሕፈሪ ተግባር ኢዩ ኢሎም።

ንልዕሊ 20 ዓመታት ህዝቢ ትገራይ እናሓለወ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ክሕደት ሃገር ከምዝኾነ ብምሐባር፥ ኣብ እዋን ፀገም ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝሓገዘ ሰራዊት መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ንኸብዶም ዝሓድሩ ጉጅለታት ንህዝቢ ትግራይ ኣይውክሉን ክብሉ ገሊፆም።

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብስምና ክነግድ ፀኒሑ ኢዩ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቲ ጉጅለ ዝለኣኣኽ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ብምግላፅ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ከምዝብሉ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment