ኣብ ሃረማያ፣ ሃረር፣ ጅግጅጋ፣ ደገሃቡር፣ ፊቅን ከባቢታትን ተቛሪፁ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ኣገልግሎት ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃረማያ፣ ሃረር፣ ጅግጅጋ፣ ደገሃቡር፣ ፊቅን ከባቢታትን ተቛሪፁ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ኣገልግሎት ከምዝተመለሰ ተገሊፁ።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓድሮ በዓል 132 ኪሎ ቮልት ልዑል ሓይሊ ተሸካሚ መስመር ብዘጋጠመ ብልሽት ምኽንያት ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 5፡30 ቅድሚ ቀትሪ ከምዘጋጠመ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረፀ ፀብፂብና ነይርና።

እቲ ምብልሻው ስዒቡ ብዝተገበረ ርብርብ ስራሕቲ ፅገና ተዛዚሙ ኣብ ዝተፀርሓ ከባቢታት ዳግም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝረኸባ ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment