“ኣብያተ ትምህርቲን ሆስፒታላትን ምዕናው ብገበን ኲናት ክረአ ኣለዎ”- ኣትሌት ሻለቃ ኃይሌ ገብረሥላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት “ኣብ ኣብያተ ትምህርቲን ሆስፒታላትን ዘብፅሖ ዘሎ ዐንወት  ብገበን ኲናት ክረአ ኣለዎ” ከብል ኣትሌት ሻለቃ ኃይሌ ገብረሥላሴ ተዛሪቡ።

“መን ምስ መን እኳ ከምዝተጋጨወ ዘይፈልጡ ህፃናትን ኣብያተ ትምህርቲን ምዕናው ብምንታይ ይግለፅ?” ብምባል ብምሬት ገሊፁ።

እቲ ኣትሌት ኣብ ኣምሓራ ክልል ዋግ ኸምራ ዞባ ፃግብጂ ወረዳ ኣብ ዳስ ንዝመሃሩ ህፃናት ዘህነፆ ቤት ትምህርቲ ብምዕናው ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ኢዩ ገሊፁ።

ኣትሌት ሻለቃ ሃይለ ገብረስላሴ ንግዜኢ ከምዝገለፆ፥ እቲ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ካብ ገንዘብ ወፃኢ ንላዕሊ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ከምዘሕለፈ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ  “ኣብያተ ትምህርቲን ሆስፒታላትን ምዕናው ብገበን ኲናት ክረአ ኣለዎ” ክብል ተዛሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment