ኣብያተ ህንፀት ማእኸላት ስልጠናን ፍሪያትን ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ኣይተ ዳመነ ዳሮታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ.ቢ.ሲ.)ኣብያተ ህንፀት ሰባት ዝህነፅሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ማእኸላት ስልጠናን ፍሪያትን ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ፌዴራል ኣይተ ዳመነ ዳሮታ ተዛሪቦም።

ኣብ ጥፍኣት መንእሰይ፣ ኣማራፅቲ ቅፅዓታትን ካልኦት ጉዳያት ኣብያተ ህንፀትን ዝጠመተ ስልጠና ንሰብ ሙያ መራኸብቲ ሓፋሽ  ይወሃብ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ኣይተ ዳመነ፥ ኣብዛ ሃገር ዝመፅአ ለውጢ ስዒቡ ኣብያተ ህንፀት ማእኸላት ትምህርቲ፣ ህንፀትን ተሃነፅቲ ንሕብረተሰብ ዝኽሕሱለንን ንክኾና ተሰሪሑ ኢዩ ኢሎ።

ምስ ፋና ቴሌቪዥን ብምትሕብባር እተን ኣብያተ ህንፀት ቅድም ክብል ካብ ዝነበረለን ኣሰራርሓ ወፂአን ተሃናፂ ተኮር ናብ ምዃን ምቕያረን ንህዝቢ ንምርኣይ ከምዝተሰርሐ ኣፍሊጦም።

ንህዝቢን ስድራን ክፍቲን ንክኾና ዝተጀመረ ስራሕ እውን ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ተሃነፅቲ ደረጅኡ ብዝሓለወ ቤት ህንፀት ነክህሊ ናይ ምግባርን መሰረታዊ ኣገልግሎት ናይ ምምሕያሽን ስራሕ ብስፍሓት ከምዝቕፅል አውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብያተ ህንፀት ማእኸላት ስልጠናን ፍሪያትን ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ብግደኦም፥ ኣብተን ትካላት ብዝተገበረ ስራሕቲ ሪፎርምን እተን ኣብያተ ህንፀት ማእኸላት ህንፀት፣ ይቕሬታን ይኾና ከምዘለዋይ ናይ ምፍላጥ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

እዚ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ፋና ከቴሌቪዥን ብቐጥታ ፈነውኡ ዝሰርሖም ስራሕቲ ከምዘለዎ ኮይኑ መንእሰይ ዝጥቀመለን ዲጂታል ሚዲያታት ብምጥቃም ብዝበለፀ ናይ ምፍላጥ ስራሕ ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment