ኣብዚ ዓመት 6 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ክምዝገብ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ በባ፣ 1 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ዓመት ሽዱሽተ ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ከምዝገብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ጠቅላይ ሚኒስትሩ በወቅታዊና ሃገራዊ ጉዳዮች ላይ ከህዝብ ተወካዮች ምክር ቤት አባላት ለተነሱላቸው ጥያቄዎች ምላሽና ማብራሪያ ሰጥተዋል።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉሎም ሕቶታት መልሲን መብርሂን ሂቦም።

ኣብቲ ዘሃቡዎ ምላሽ ድማ ኣብዚ ዓመት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 9 ሚኢታዊ ንምዕባይ ትልሚ ተታሒዙ ብምሕባር ይኹን እምበር ቫይረስ ኮሮና ብዘስዓቦ ፅዕንቶ ምክንያት ብ6 ሚኢታዊ ጥራሕ ክዓቢ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎን ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብኹሉ ዘርፊ ዝበረታታዕ ምዕባለ እናተመዝገበ ምፅንሑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ግን እቲ ምዕባለ ምዝሕሓል ከምዘርኣየ ሓቢሮም።

ኮቪድ-19 ብዙሓት ፀገማት የስዕብ እምበር ዘፈር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ክንድዚ ዘኣክል ከምዘይተጎድአ ኣብሪሆም።

ኣብ ከይዲ እዚ ብር 138 ቢሊየን ከምዝተመለሰ፤ ከምኡ እውን ብር 221 ቢሊየን ልቓሕ ካብ ባንኪታት ከምዝተውሃበ እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ብር 87 ቢሊየን ኣብ ባንኪታት ከምዝተዓቖረ ብምሕባር ብኹለመዳይ ዘፈር ፋይናንስ ልዑል ዕቤት ተራኢዩ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ፍርያታት ብ13 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ብምፅራሕ፥ ፍርያት ቡን 667 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ፣ ዕምበባ 440 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ፣ ከምኡ እውን ስጋ 45 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ኣገንዚቦም።

ለዚህ ደግሞ ኮሮና ቫይረስ ሳቢያ ዓለም ላይ ባስከተለው ተፅዕኖ ሳቢያ የፍላጎት መጨመርና የተፈጠረው የአቅርቦት እጥረት አስተዋጽኦ አድርጓል ነው ያሉት።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ዝሃለፉ 10 ኣዋርሕ 27 ሚሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎ 800 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣታዊ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም ኣብ መብርሂኦም።

ኮቪድ-19 ኣብ መላእ ዓለም ምርኣዩ ስዒቡ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣቱ ነዳዲ ምንካዩ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ እዚ ድማ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ንኽንኪ ከምዝገበረ እውን ገሊፆም።

ከም ኣፋውስን ዘመናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ዝበሉ ቀረባት ግን ሕዚ እውን እናኣተዉ ኢዮም ኢሎም።

ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘፈር ቱሪዝም ብፍላይ ድማ ዘፈር ግልጋሎት ከምዝተጎድአ ኣፍሊጦም።

ይኹን እምበር መስሕባት ቱሪዝም ዝኾኑን ብኪነ ጥበብ ዝተፀባበቑን ልምዓት ፓርክታት ከተማ እናተሳለጠ ከምዝኾነን ድሕሪ ምዕጋት ኮሮና ፍልፍል ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ከምዝኾኑን ገሊፆም።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ሰፊሕ ምድላው መዳበርያን ምልስላስ መሬትን ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ቅድም ክብል ዝተጀመረ ስራሕቲ ሕርሻ ኩታ ገጠም ምዕባይ፣ ኣናእሽተይ ሕርሻ መሬት ብዕምቆት ክለምዑ ምግባር፣ ኣብ ቆላማ ከባቢታት ዝተጀመረ ስራሕቲ ሕርሻ ክቕፅል ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ቃላይ ጣና እናተስፋሕፈሐ ዝርከብ ፃህያይ እምቦጭ ንምውጋድ መንግስቲ ካብ ኣውሮፓ ዝሐሸ ማሽን ብብር 300 ሚሊየን ንምዕዳግ ድርድር እናገበረ ይርከብ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ መረፃ ተተሓሒዙ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ለበዳ ሕማም ኮቪድ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ፓርቲ ብልፅግና መረፃ ንኽካየድ ድሌት ከምዝነበሮ ብምግላፅ፤ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ምስ ኣካቢት ቦርድ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ብዕምቆት ከምዝተዛተዩ ገሊፆም።

ይኹን እምበር እተን ዋና ኣካቢት ብፅዕንቶ ሰባት ዘይኮነስ ስረሐን ብዘኣመናሉ መገዲ ክፍፅማ ከምዝወሰና ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ውሳነ ግቡእ ምንባሩ ከምዝተገንዘቡ ኢዮም ዝሓበሩ።

ንመረፃ ተባሂሉ ልዑል ዋጋ ዘኽፍል ኣካይዳ ምኽታል ከምዘይግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ግድብ ህዳሰ ንመደራደሪ ውዒሉ፤ ተሸይጡ እናተብሃለ ይውረ ኣሎ ዝብል ሕቶ ዝተልዓለሎም ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ሓሳብ ካብ ዝተሰሓሓተ ኣመለኻኽታ ዝተበገሰን ኣብዚ ሕዚ እዋን ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብን ኣብሪሆም።

ህንፀት እቲ ግድብ ከምዝደንጎየ ዘዘኻኸሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ምድንጓዩ ንኢትዮጵያ ብዙሕ ረብኻ ከምዘስኣና ገሊፆም።

ግድብ ህዳሰ ህንፀት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ዲፕሎማሲ ስራሕ ልዑል ፈተና ኣጋጢሙዎ ከምዘይፈልጥን ከይዲ ህንፀቱ እንትጥንክር ፈተና ዲፕሎማሲ እውን እናኸበደ ምምፅኡ ኣገንዚቦም።

ምስ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ሕወሓትነር ተተሓሒዡ ዝተልዓለ ሕቶ ብዝምልከት ድማ፥ ህዝቢ ትግራይ ብኢትዮጵያዊነቱ ዝኾርዕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ህዝቢን ፓርቲን ፈሊኻ ናይ ዘይምርኣይ ፀገም ከምዘሎ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment