ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ምዕራፍ ቀዳማይ ዓመት መርሃ ግብሪ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ ሚኒስቴር መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ኣይተ ተፈራ ታደሰ÷ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተወገኑ ስራሕቲ ተሞክሮ ብምውሳድን ክፍተታት ብምምላእን ኣብዚ ዓመት ዕዉት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም፡፡
ብምዃኑ ኣብ ኩለን ክልላት ምምሕዳር ከተማታትን እኹል ምድላው ብምስርሑ÷ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተኣከበ ሓበሬታ ልዕሊ ትልሚ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡
ክሳብ ሕዚ ዝተተኸሉ ፈልሲታት÷ ንደኒ ዝኾኑ፣ ኣርቃይ፣ ኩለመዳይ ጥምር ሕርሻ ደኒ፣ ፍረምረ፣ መኖን ፈልሲታት ስነ-ፅባቐን ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ስራሕ ብዙሓት ክፋላት ሕብረተሰብ ከምዝተሳተፉ ዝሓሩ ኣይተ ተፈራ÷ ብ53 ነጥቢ 3 ሚሊየን ምልልሳት 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ኣረጋጊፆም፡፡
ብዮሃንስ ደርበው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com