ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ ክረምቲ ልዕሊ 4 ነጥቢ 1 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ከምዝተገበረ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም÷ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓገዝ ንዝደልዩ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።
ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ካብ ናይ መንግስቲ መጠባበቒ ሃፍቲ ን4 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት ዝኸውን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተለኣኸ ተዛሪቦም።
እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ÷ ቅድሚ ሕዚ ብሓገዝ ፋይናንስ ዓለም ለኸ ትካል ልምዓት ተራድኦ ኣሜሪካን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ መሓዙት ትካላትን ኣብ ዘንቀሳቕሱሎም ከባታት ሓዊሱ ብምብፃሕ ከምዝተኸፋፈለ ገሊፆም።
ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ሰሙናት ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ክልላት ንምልኣኽ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ቅድሚት ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ክፋላት ሕብረተሰብ ተበፃሒ ከምዝኸውን እውን ኣብሪሆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com