ኣብዚ ክልል ብዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ዝበፅሕ ጉድኣት ንምክልኻል ስራሕቲ ልምዓት ምግቢ እንስሳት ይካየድ ኣሎ-ኣይተ ሙስጠፌ ሙሓመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ብዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ዝበፅሕ ጉድኣት ንምክልኻል ስራሕቲ ልምዓት ምግቢ እንስሳት ይካየድ ኣሎ ከብሉ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ ሙሓመድ ገሊፆም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ዲየኦም ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ዝኸአ ጉድኣት ንከየብፅሕ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ይካየዱ ኣለዉ ኢሎም።
ስለዝኾነ ብዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ዝበፅሕ ጉድኣት ንምክልኻል ስራሕቲ ልምዓት ምግቢ እንስሳት ይካየድ ኣሎ ክብሉ ሓቢሮም።
ብፍላይ ኣብ ዞባታት ሸበሌን ዳዋን ንምግብነት እንስሳት ዝውዕል ኣግራባት ወሓዝቲ ማያት ብምጥቃም ናይ ምልማዕ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
Comments (0)
Add Comment