ኣብዚ በጀት ዓመት ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር 23 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኻእለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2017 መጥቃዕቲ ሳይበር ብምክልኻል 23 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኻእለ ምሕደራ ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ምሕደራ ሰለሞን ሶካ÷ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብቲ በጀት ዓመት ብሓፈሻ 6 ሺሕን 959 መጥቃዕቲታት ሳይበር ከምዝተፈፀሙ ብምሕባር፤ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 6 ሺሕን 768ቱ ፈተነታት መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

191 ዝኾኑ ዕዉታት መጥቃዕቲታት ሳይበር ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር÷ ምላሽ ዝደልዩ ብምፍላይ ካብ ሓፈሻዊ መጥቃዕቲ 96 ነጥቢ 02 ሚኢታዊ ንዝኾኑ ምላሽ ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

ኣብቲ በጀት ዓመት ኣብ ልዕሊ 123 ትካላት ዳህሳስ መፅናዕቲ ከምዝተገበረ ብምሕባር÷ በዚ ድማ 652 ንመጥቃዕቲ ሳይበር ዘቃልዑ ክፍተታት ከምዝተረኸቡ ኣብሪሆም።

ብወንድሙ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment