ኣብዚ በጀት ዓመት ቀረብ እታወት ሕርሻን ሽፋን ዘርኢን ልዑል ለውጢ ዝተመዘገበሉ ኢዩ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ በጀት ዓመት ቀረብ እታወት ሕርሻን ሽፋን ዘርኢን ልዑል ለውጢ ዝተመዘገበሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ገምጋም ኣፈፃፀማ ናይ መወዳእታ 100 መዓልቲታት እዚ በጀት ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ድማ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሕርሻ ብስፍሓት ዘተ ዝተገበረሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ዘበነ ምህርቲ 2015/16 ካብ ምስ ዝተትሓዘ ትልሚ ዝቀራረብ ፍርያት ዝተኣከበሉ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም።

ብፍላይ ኣብ ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ዓብዪ ዓወት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ በዚ ድማ 3 ሚሊየን ሄክታር ብዝራእቲ ተሸፊኑ 106 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ከምዝተረኸበ ንግዜኢ ተዛሪቦም።

ኣብ እዋን ፅድያ 2 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ንምሽፋን ተሓሲቡ፤ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ብምዝራእ ልዕሊ ትልሚ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ቀረብ እታወት ሕርሻን ሽፋን ዘርኢን ልዑል ትኹረት ከምዝተውሃበ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ብፍላይ ኣብ ዕድጊትን ዝርገሐን ዘበናው ዱኽዒ (መዳበሪያ) ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከምዘሎ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment