ኣብዚ ሰሙን 12 ተወሰኽቲ ማእኸላት ምርመራ ላቦራቶሪ ቫይረስኮሮና ስራሕ ጀሚሮም-ዶ/ር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን 12 ተወሰኽቲ ማእኸላት ምርመራ ላቦራቶሪ  ቫይረስኮሮና ግልጋሎት ምሃብ ምጅማሮም ሚኒስተር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብድምር ቁፅሪ ማእኸላት ምርመራ ላቦራቶሪታት ቫይረስኮሮና 20 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ሓሙሽተ ላቦራቶሪ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ብምእታው ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጅመር ኣብሪሀን።

ኩሎም ላቦራቶሪታት ብሙሉእ ዓቕሞም ናብ ስራሕ እንትኣትዉ ኣብ መዓልቲ 3 ሺሕን 985 ናሙናታት ምምርማር ከምዝጅመር ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ዝኣትዉ  5 ላቦራቶሪታት እቲ ዓቕሚ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሕግዙ ተዛሪበን።

እታዎታት እቶም ላቦራቶሪ ንምምላእ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርርብ ይግበር ከምዘሎ እውን ሓቢረን።

ሕብረተሰብ ብመንግስቲ ዝወሃቡ መምርሒታት ተግባራዊ ብምግባር ካብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንገዛእ ርእሱ ክከላኸል ከምዝግባእ ድማ ኣተሓሳሲበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment