ኣብዚ ሰሙን ካብ ሞንጎ ዝምርመሩ ሰባት መጠን ምትሓዝ ቫይረስ ኮሮና ናይ ብማእኸላይ 25 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጥዕናን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ለበዳ ኮቪድ-19  ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣድሂቦም ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ህዝቢ ካብቲ ሓያል ለበዳ ንምድሓን ሓበራዊ ሓላፍነት የድሊ ክብሉ ገሊፆም።

ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ፥ ኣብ ትካላት እምነት ዝተጀመሩ ስጉምቲታት ጥንቃቐ ዝበረታትሑ ይኹኑ እምበር ሕዚ እውን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣጠናኺርካ ምቕፃል የድሊ ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ሃይማኖታዊ ግልጋሎታት ኣካላዊ ርሕቐት ብዘሓለወ መልክዑ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምግባር፣ ፅሬት ኢድን ናውቲ መገልገሊ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ምቅብባል እንትግበር ጥንቃቐ ምግባርን የድሊ ኢሎም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደአን፥ ኣብዚ ሰሙን ካብ ሞንጎ ዝተመርመሩ ሰባት መጠን ምትሓዝ ቫይረስ ኮሮና ናይ ብማእኸላይ 25 ሚኢታዊ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 200 ሺሕ ሓሊፉ ኢለን።

እቲ ሓያል ለበዳ ንምክልኻል ንመዳርግቲ ኣካላት ብመሰረት ዝቐረበ ፃውዒት፥ ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝበረታታዕ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ኣብሪሀን።

ዶክተር ሊያ ኣብ መግለፂአን፥ ኩሉ ሰብ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሱ ልዑል ጥንቃቐ እንተገይሩን ግቡኡ እንተተዋፂኡን እናተስፋሕፈሐ ዝርከብ ለበዳ ኮቪድ-19 ምግታእ ስለዝከኣል ልዑል ትኹረት ብምግባር ሓበራዊ ሓላፍነት ከምዘድሊ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment