ኣብቲ ዝሓዝናዮ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብግዝፈቱ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራ ሳልሳይ ደረጃ ክሕዝ ኢዩ – ኣይ ኤም ኤፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝሓዝናዮ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብግዝፈቱ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝሕዝ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይ ኤም ኤፍ) ኣመልኪቱ።

ኣይ ኤም ኤፍ ኣፈፃፅማ ትንበያ ኢኮኖሚ ዓለም 2023 ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ትካል ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ኣውፂኡዎ ዝነበረ ትንበያ ከሊሱዎ።

ነቲ ትንበያ ፀሪሑ ቢዝነስ ዴይሊ ኣፍሪካ ከምዝፀብፀቦ፥ ሓፈሻዊ መጠን ፍርያት ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ 156 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ክበፅሕ ኢዩ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ በዓል ዋናነት ግዙፍ ኢኮኖሚ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ኬንያ ዝገብራ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

ትንበያ፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳበወ 2028 ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዕቤቱ ክቕፅል ብምግባር ኣብቲ ዞባ ዝዓበየ ኢኮኖሚ ሒዙ ከምዝፀንሕ ፀሪሑ።

ናይጄሪያ ብ506 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላርን ደቡብ ኣፍሪካ ብ399 ቢሊየን ዶላርን መጠን ፍርያት ዕቤት ውሽጢ ሃገር 1ይን 2ይን ግዙፍ ኢኮኖሚ ኮይነን ከምዝቕፅላ ኣቐሚጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ዝቕባበ ዋጋ፣ ኲናትን ድርቂን ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ነክዩ ከምዝነበረ ዝሓበረ ፀብፃብ ኣይ ኤም ኤፍ፥ ሎሚ ዘበን ብ6 ሚኢታዊ ከምዝዓቢ ተንብዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

Comments (0)
Add Comment