ኣብቲ ክልል ፈጠራ ስራሕ ብምዕባይ ሂወት ዜጋታት ንምምሕያሽ ይስራሕ ምህላዉ አይተ ሙስጠፌ መሓመድ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015፣ ( ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ክልል ሶማሌ ዝርከቡ መደባት ፈጠራ ስራሕ ምስ ዓውዲታት ልምዓት ሃብቲ እንስሳን ልምዓት ሕርሻን ብምውህሃድ ከምዝትግበሩ ርእሰ ምምሕዳር  ሙስጠፌ መሓመድ ገሊፆም።

“ሓድሽ ሓሳብ ንዘላቒ ጉዕዞ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ንመራሕቲ ምሕደራ ክልል፣ ዞባን ከተማን መድረኽ መውሃቢ ግንዛበን ኣብ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 እቲ ትካል ኣብ ከተማ ጅግጂጋ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መኽፈቲ መደረ፡- ኣብ ገጠርን ከተማን እቲ ክልል ስራሕ ፈጠራ ብምዕባይ ሂወት ዜጋታት ንምምሕያሽ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ትልሚ ጋህዲ ንምግባር ድማ መዳርግቲ ኣካላት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምግላፆም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ናብያ መሓመድ ብግደአን፡- መንግስቲ ዘፈር ስራሕን ክእለትን ሃገርና ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ሓንፂፁን ተግባራዊ ከምዝገበረን ገሊፀን።

ኣብቲ ዓውዲ ዝተቐመጡ ትልምታት ንምግሃድ ኣመራርሓን ክኢላታትን ግደኦም ክፃወቱ ​​ሓቲተን።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment