ኣብቲ በጀት ዓመት ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝተሸጠ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 90 ሚሊየን ዶላር ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመተ 2013 ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝተሸጠ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 90 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

በበጀት ዓመቱ ለሱዳን እና ጅቡቲ 1 ነጥብ 4 ቢሊየን ኪሎ ዋት ሰዓት የኤሌክትሪክ ኃይል በማቅረብ 80 ነጥብ 7 ሚሊየን የአሜሪካን ዶላር ገቢ ለመሰብሰብ ታቅዶ ከ1 ነጥብ 6 ቢሊየን ኪሎ ዋት ሰዓት በላይ ኤሌክትሪክ በማቅረብ 90 ነጥብ 5 ሚሊየን የአሜሪካን ዶላር ገቢ መሰብሰቡን መምሪያው አስታውቋል

ኣብቲ በጀት ዓመት ንሱዳንን ጅቡቲን 1 ነጥቢ 2 ኪሎ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ 80 ነጥቢ 7 ሚሊየን ኣሜሪካ ንምእካብ ተሓሲቡ ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ኪሎ ዋት ብምቕራብ 90 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ከምዝተኣከበ ተገሊፁ፡፡

እዚ ድማ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 9 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ናይ 12 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡

እቲ ትካል ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ናብ ወፃኢ ሓይሊ ብምሻጥ ዝኣከቦ ኣታዊ ምስ በጀት ዓመት 2012 ተመሳሳሊ እዋን ዝኣከቦ ኣታዊ እንትነፃፀር 36 ሚኢታዊ ሓለፋ አለዎ፡፡

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ናብ ናብ ወፃኢ ሃገራት ሓይሊ ብምሻጥ ዝእክቦ ኣታዊ በቢዓመቱ እናዓበየ ዝመፅአ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ዝነበረ 54 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ፣ ኣብ 2012 ዓ.ም 66 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ከምዓዝዓበየን ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም 90 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ክብ ክብል ከምዝኸኣለን ካብቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment