ኣብቲ በጀት ዓመት ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ካብ ዝቐረበ ቡን 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ካብ ዝቐረበ ቡን 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒሰስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን ኣፍሊጦም።

እቲ ኣታዊ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝተለኣኸ 300 ሺሕ ቶን ፍርያት ቡን ዝተረኸበ ከምዝኾነ ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብሪሆም።

ኣብቲ በጀት ዓመት ዝተረኸበ ኣታዊ ኣብ ዓመት እናተረኸበ ካብ ዝነበረ ማእኸላይ ኣታዊ እንትነፃፀር 500 ሚሊየን ዶላር ወሰኽ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።

እቶም ሚኒስትር፥ እቲ ኣታዊ ንኽከብ ንዝገበሩ ኣፍረይቲ ኣመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment