ኣብቲ ሰላም ንኸዓስል ዝደልያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ክብላ ኣለወን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምውጋድ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንኸዓስል ዝደልያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብላ ከምዝጋባእ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል ማህዲ ኣተሓሳሲቦም።

ኣምባሳደር ነቢል ምስ ፖስት ሱዳን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ህዝባውነት ብምቕዳም ሰራዊት ምክልኻል ክልል ትግራይ ለቒቑ ምውፅኡ ስዒቡ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ወራር ብምፍፃም ሰብኣዊን ንዋታዊን ጉድኣት እናብፀሐ ይርከብ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንኸዓስል ዝደልያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ንኽብላ ሓቲቶም።

እቲ ጉጅለ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብግብረ ራዕዲ ዝተፈረጀ ብምዃኑ፥ ኣድማስ ጥፍኣት እቲ ውድብ ንምፅባብን ኣመራርሓታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን እተን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ንኸሓብራ ፀዊዖም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ጻንሒቶም፥ ግብረ ራዕዲ ውድብ ብመረፃ ህዝቢ ናብ ስልጣን ምስ ዝመፅአ ሕጋዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማዕረ ደረጃ ንምቕማጥ ዝግበር ፈተነ ተቐባልነት የብሉን ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment