ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር መስኖን ከባቢ ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ከይዲ ህንፀት ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወይቦ ተዓዚቦም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ኣብ ወረዳ ቦሎሶ ሶሬ ዝህነፅ ዘሎ እንትኸውን፥ ንወረዳታት ቦሎሶ ሶሬን ቦሎሶ ቦምቤን ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።
ህንፀት እቲ ፕሮጀክር ተጀሚሩ ብሰንኪ ክፍሊት ካሕሳ ህንፀት እቲ ግድብ ደው ዝበለ እንትኸውን፥ ስራቲ ካናል ገን ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ህንፀት እቲ ግድብ ብዝምልከት ዘለዉ ፀገማት ንምቕራፍ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ብምግባር መፍትሒ ኣንፈት ከቐምጡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።