ኣብረሃም በላይ (ዶ/ር) ሰራዊትና ሃገር ካብ ምብታን ንምድሓን ኣብ ዝዋደቐሉ እዋን ፈተና እንተይበደሆም ኣገልጊሎም ኢዮም – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብረሃም በላይ (ዶ/ር) ሚኒስትር ምክልኻል እናሃለዉ ሰራዊትና ሃገር ካብ ምብታን ንምድሓን ኣብ ዝዋደቐሉ እዋን ፈተና እንተይበደሆምን ካብ ሚዛን ኢትዮጵያዊነት እንተይተዛብዑን ኣገልጊሎም ክብሉ ላዕለዋይ ኦታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጀጁላ ገሊፆም።

ብሚኒስትር ምክልኻል እናሰርሑ ንዝነበሩ ኣብረሃም በላይ (ዶ/ር)÷ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ትካል ኣብ ዝተረኸቡሉ ምፍናው ተገይሩሎም፡፡

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኣብረሃም በላይ (ዶ/ር)ሚኒስትር ምክልኻል ብምዃን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዘዕግብ ስራሕ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

“ሰራዊትና ሃገር ካብ ምብታን ንምድሓን ኣብ ዝዋደቐሉ እዋን ፈተና እንተይበደሆምን ካብ ሚዛን ኢትዮጵያዊነት እንተይተዛብዑን ኣገልጊሎም ኢዮም” ምባሎም ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻ የመላኽት፡፡

ሚኒስትር ምክልኻል ብምዃን ንዝተሾማ ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ፅቡቕ ዘበን ስራሕ ንኽኾነለን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ብምዃን ዝተሾሙ ኣብረሃም በላይ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ንዝተገበረሎም ናይ ክብሪ ምፍናው ኣስጊኖም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment