ኣባ ገዳታት በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ንክልል ትግራይ 10 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባ ገዳታትን ወከልቲ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ንክልል ትግራይ 10 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም።

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ብድምቀት እናተኸበረ እንትኸውን÷ ኣብ ከተማ መቐለ እውን ብኣሽሓት ዝቑፀራ ኣዋልድ ኣሸንዳ፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ ካብ ፌዴራልን ክልላትን ዝመፅኡ ዕዱማት ኣጋሽን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተኸበሩሉ እናተኸበረ ይርከብ።

ኣብቲ ክብረ በዓል÷ ካብ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ፣ ኮሚሽን ቱሪዝም ክልል ኦሮሚያን ልኡኻት ህዝቢ ኦሮሞ ኣባ ገዳታትን እውን ተረኺቦም።

እቶም ኣባ ገዳታን ተወከልቲ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን÷ በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ንህዝቢ ትግራይ ዝውዕል 10 ሚሊየን ብር ብሽም ቆልዑ ኣሸንዳ ሓገዝ ገይሮም።

ንዳግመ ሕውየት ዝውዕል ሓገዝ ከመዝኾነ ተገሊፁ።

በዓል ኣሸንዳ እዚ ዓመት÷ “ኣሸንዳ ንሰላም፣ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።

ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝውዕል 257 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ምግባሩ ይዝከር።

ብተወሳኺ ቢሮ ትምርቲ እቲ ክልል ልዕሊ 5 ነጥቢ 8 ሚልየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም 61 ዴስክ ቶፕ ኮምፒዉተራት፣ 100 ሺሕ ጥራዛት ሓዊሱ ብርዕን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናዉትን ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣረኪቡ ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment