ኣባይ ዝግበአና እናትረፈ፥ ዝግበኦም ምሃቡ ክቕፅል ኢዩ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባይ ዝግበአና እናትረፈ፥ ዝግበኦም ምሃቡ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ  ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ÷ ሎሚ መዓልቲ ሳልሳይ ዙር ምዝዛም ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብሲሮም፡፡

ኣብ መብሰሪ መደረኦም÷ “ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብቲ ቦታ ብፍልጠት ብጉልበት ዝተሳተፍኩም ኢትዮጵያውያን ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ፕሮጀክት ረብሓ ተገንዚብኩም ንኢትዮጵያ ብሓሳብ፣ ብዝተፈላለየ መገዲ እናሃገዝኩም ዝፀናሕኹም ፈተውቲ፤ ብሙሉእኹም ሎሚ መዓልቲ ኣብዚ ቦታ ሳልሳይ ዙር ምዝዛም ምምላእ ማይ ከምዝተዛዘመ እንተብስር ብዓብዪ ሓጎስ ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቲ ናይ ሕዚ ምምላእ ማይ ዓሚ ካብ ዝነበሮ እንትነፃፀር÷ ዓሚ ኣብ ማእኸል ማይ ዝፈሰሉ ቦታ 575 ሜትሮ ከምዝነበረ ገሊፆም፡፡

ሎሚ ዘበን ድማ ወሳኺ 25 ሜትሮ ክብ ክብል ብምግባር ኣብ 600 ሜትሮ ፍሰት ማይ እናተረኣየ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ዓሚ የማንን ፀጋምን 585 ሜትሮ ነይሩ፤ ሎሚ ዘበን 611 ሜትሮ ብምብፃሕ ብልዑል ብርኪ ማይ ናይ ምሓዝን ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚን ክብ ኣቢሉዎ ኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment