ኣባል ፓርቲ ብልፅግና እንተይኮኑ ንከገልግሉ ዕድል ምሃብ ረብሓ ሃገር ምቕዳም ኢዩ-ኣባላት ባይቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ፓርቲ ብልፅግና እንተይኮኑ ንከገልግሉ ዕድል ምሃብ ረብሓ ሃገር ምቕዳም ኢዩ ክብሉ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ገሊፆም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፥  ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ከምኡ ውን ዶ/ር መቅደስ ዳባ ሚኒስትር ጥዕና ብምዃን ንክሽየሙ ዝቐረበሉ ሹመት መርሚሩ ምፅዳቑ ይዝከር።

ካብ መንጎ እቶም ተሸወምቲ፥ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴን ዶ/ር መቅደስ ዳባን ኣባል ፓርቲ ብልፅግና አንተይኮኑ ዝተሸየሙ ኢዮም።

ነዚ ስዒቡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾኑ ፈቲህ መዕዲ (ዶ/ር)፣  ኣይተ መለሰ መናን ነጃት ግርማ (ዶ/ር)ን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ኣባል ፓርቲ ብልፅግና እንተይኮኑ ንከገልግሉ ዕድል ምሃብ ረብሓ ሃገር ምቕዳም ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

እዚ ድማ ካብ ስልጣን ሃገር ዘቐደመ ዝነኣድ ውሳነ ኢዩ ኢሎመ።

ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ሃገር ኣሰሮም ዘንበሩ ውልቀ ሰባት ምሻሞም ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ሃገር ዘቐደመ ውሳነ ምዃኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment