ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ብሕጊ ክሕተት ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት መበል 11 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣካይዱ።
ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ እዋናዊ ኩነታት ሰላምን ድሕንነትን ብዝምልከት ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂ ሂቦም።
በቢከባቢኡ ዝረአ ጎንፂን ሞትን ብትምኒት ጥራሕ ደው ኣይብሉን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብዝሓ መናእሰይ ብፌስ ቡክ ጥራሕ ኢዮም ዝዋጋእ ዘሎዉ፤ ይኹን እንበር ኣብ ሰራዊት ብኣካል ብምስታፍ ሃገራዊ ግቡኡ ክዋፃእ ኣለዎ ኢሎም።
“ኣብ ትግራይ ኣዶታት ተደፊረን መን ኢዩ ዘእውየለን? እዚ ዓዲ ናይ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣይኮነን፤ ናይ ኩሉ ኢዩ። ናትካ እንትኸውን ክባር ናይካ ተዘይኮይኑ ዝረኸሰ ዝበሃል የለን” ኢሎም።
ሃገር እናፍረስካ ምህናፅ ዝበሃል የለን፤ ዜጋታት ምሟትን ምድፋርን ጉድኣቱ ንኢትዮጵያ ኢዩ።
ስለዚ ንኹሉ ነገር ሰኺንካ ምስራሕ የድሊ ክብሉ ድማ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ትግራይ ምስ ዝተኻየደ ምኽባር ሕጊ ብምትሕሓዝ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ኲናት ውፅኢቱ ዝኸፍአ ኢዩ ኢሎም።
“ህዝቢ ትግራይ ኲናት ዘድሊዮ ኣይኮነን ብዝብል ብሚሽጥርን ብግልፅን ተዛሪብና ኢና፤ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት እውን ብሽምግልና ከይተረፈ ሓቲተ ኢየ፤ ይኹን እንበር ህወሓት ምድላዋቱ ኩሉ ንኲናት ኢዩ ነይሩ” ክብሉ ድማ ተዛሪቦም።
“እቲ ጁንታ ኲናት እንትጅምር ኣብ 200 ቦታታት ኢዩ ጀሚሩዎ፤ ስለዚ እቲ ኲናት ሃንደበት ኣይተጀመረን። ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ክልል ኣምሓራ ይኹን ኤርትራ ጥቕዓት ዝፈፀመ እቲ ጁንታ ኢዩ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 30 ሺሕ እሱረኛታት ተፈቲሖም ኢዮም። ናይዚ ኩሉ ድምር ድማ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጉድኣት ክበፅሕ ክኢሉ ኢዩ” ኢሎም።
ኲናት ኣብ ከተማታት ንኸይካየድን ከበድቲ ኣፅዋራት ከይንትኩስን ብጥንቃቐ ኣካይድናዮ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ተረፍ መረፍ ጁንታ ህወሓት ካብ ዝተበታተንዎ እናተኣከቡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ ብምንባሮም ነዚ ስዒቡ ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ኣብ ትግራት ደቂ ኣንስቲዮ ምድፋርን ዘረፋን ከምዝተፈፀሙ ዘርእዩ መረዳእታታት ኣለዉ።
“ንሕና ንወታደር ዝለኣኽናዮ ጁንታ ንኽቆፃፀር እምበር ክደፍር ኣይኮነን” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ኣብ ምድፋር ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፈን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ዝፈፀመን ብሕጊ ክሕተት ኢዩ ኢሎም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል መፅናዕቲ የካይድ ኣሎ፤ እዚ ዘቕርቦ ውፅኢት መበገሲ ብምግባር ድማ መንግስቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝፍፅም ሓቢሮም።
ድሕሪ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሰባት ቀሊብና ኢና፤ ኣብ ትግራይ ንዝፈረሱ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምፅጋን ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ከምዝገበረ ገሊፆም።
ይኹን እንበር እቶም መሰረተ ልምዓታት ድሕሪ ምፅጋኖም ተረፍ መረፍ ጁንታ ነቲ ዝተፀገነ እናፍረሰን እናቖረፀን ንመንግስቲ ከምዘፀገሞ ኣብሪሆም።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣቲዩ ኢዩ ንዝብል፥ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብጁንታ መጥቃዕቲ በፂሑዎ ናብ ኤርትራ እንትኸይድ መንግስቲን ህዝብን ኤርትራ
ንዝገበርዎ ሓገዝ ነመስግን ኢና ኢሎም።
ይኹን እንበር ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ተሳጊሩ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጉድኣት እንተብፂሑ ኣይንቕበሎም ኢሎም።
እዚ ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ኤርትራ ዘተ ከምዝተገበረን ኣብ ቀፃሊ መፍትሒ ከምዝግበረሉን እውን ኣብሪሆም።

 

ንሕና ብሕጊ እንደሊዮ ዝተወሰነ ሰብ ስለ ዝኾነ ነዚ ንምድሓን ዘየድሊ መስዋእቲ ካብ ዝኽፈል እቶም ሰባት ናብ ሕጊ ብምቕራብ እቲ ካሊእ ሰብ ግን ትግራይ መሊስካ እግሪ ንምትካል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓጋዚ ክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምስ ሱዳን ብዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ንዝተልዓለ ሕቶ፥ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነት ትኹን ሃገር ብሓባርን ብሕውነትን ምንባር እንበር ጎንፂን ኲናትን ኣይትደሊን። ስለዚ ምስ ሱዳን ዘሎ ኩነታት እውን ብሰለማዊ መገዲ ምፍታሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት እውን እንተኾነ ኢትዮጵያ ንሱዳን ይኹን ግብፂ ንምጉዳእ ድልየት ኣይብላን ኢሎም።
ህዳሰ ግድብ እንትንሃንፅ ሓቢርና ንምዕባይ እንበር ንዓና ተረቢሕና ንኻልኦት ንምጉዳእ ኣይኮነን ብምባል እውን ገሊፆም።
ሎሚ ዘበን ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ብዝምልከት ንዝተልዓለ ሕቶ፥ መንግስቲ እቲ ምርጫ ኢትዮጵያ ከሻግራ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ምርጫ ዴሞክራሲ ንክፍጠር ቀንዲ ምኽኒያት ኢዮ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እቲ ዝካየድ ምርጫ ፍትሓዊን ብህዝቢ ተኣማኒን ንክኸውን ዘኽእል ስራሕ ከምዝስራሕ እውን ሓቢሮም።
እቲ ጉባኤ ትልሚ ፍኖተ ምዕባለ 10 ዓመት ብሙሉእ ድምፂ ብምፅዳቕ ተዛዚሙ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ይግበሩ/ራ!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment