ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኢንቨስት ንኽገብራ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኢንቨስት ንኽገብራ ፃውዒት ቀሪቡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ሲራኩስ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ሕርሻ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ትሳተፍ ኣላ፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ፤ ልምዲ ኢንቨስትመንት ሕርሻ ኢትዮጵያን ከምዘካፈሉ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ልዑል ፀጋ ንኽትጥቀም ፖሊሲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ልዑል ሓገዝ ከምዝገበረ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ሜካናይዝድ ሕርሻ እናመዝገበቶ ትርከብ ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ፍኖተ-ካርታ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ሓዊሱ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ምቹዋት ኩነታታትን እናተመዝገቡ ዝርከቡ ዝበረታትዑ ውፅታትን ብምርዳእ ኣባል ሃገራት ጉጀለ ሸውዓተ ኢንቨስት ንኽገብሪ እቶም ሚኒስትር ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment