ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 መኽፈሊ እዋን ልቓሕ ድኻታት ሃገራት ኣናዊሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 መኽፈሊ እዋን ልቓሕ ድኻታት ሃገራት ከምዘናወሓ ኣፍሊጠን።

ሚኒስትራት ገንዘብ እተን ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘሳለጥዎ ኣኼባ፥ እተን ድኻታት ሃገራት ቫይረስኮሮኖ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ዓሊመን ዝገብርኡ ዘለዋ ፃዕሪ ንምድጋፍ እዋን መኽፈሊ ልቓሕ ንክናዋሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሐዚ ክኽፈል ዝነበረ ልቓሕ ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 1 ግንቦት 2020 መወዳእታ ክፀንሕ ኢዩ።

መራሕቲ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኻዊ ትካል ገንዘብን ( አይ ኤም ኤፍ ) እቲ ዝተገበረ ውሳነ ከምዝነኣዱ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፡-ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment