ኣባል ሃገራት ሚኒስትራት ዓውዲ ትምህርቲ፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ክሊ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትራት ዓውዲ ትምህርቲ፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ክሊ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ተዛትዮም።

ኮቪድ-19 ብዝተዋደደ መልክዑ ንምክልኻል ዝተሰርሑ ስራሕቲን ክስርሑ ኣብ ዝግበኦም ቀፀልቲ ስራሕቲን ኣድሂቦም ኢዮም ቐጥታ ዘተ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ኣካይዶም።

ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ንምዕጋትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ብቴክኖሎጂን ምህዞን ዘተሓገዘ ስትራቴጂካዊ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ዝከኣሉሎም መስርሓት ብምልዓል እውን ልዝብ ገይሮም።

ብተወሳኺ ኣብ አፍሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ብዛዕባ እቲ ለበዳ ሕማም ዝምልከቱ ወድዓዊ ኩነታት ከምዝቐረቡን ብላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ዘፈር ኢኖቬሽን እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዘሕግዙ ስራሕቲ ከም ኣህጉር ተዋዲድካ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምዝታዮም ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment