ኣባላት ፋኖ ወረዳ ጃ ፃውዒት ክተት ብምቕባል ናብ ግምባር ዘሚቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ፋኖ ወረዳ ጃ መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ክተት ብምቕባል ናብ ግምባር ዘሚቶም።

ዘራፊን ግብረ ራዕዲን ህወሓት ንምድምሳስ ናብ ግምባር ንዝዘምቱ ኣባላት ፋኖ ወረዳ ጃኖ፥ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ምፍናው ተገይሩሎም።

ኣባላት ፋኖ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው፥ ኣብ ውዳበ መንግስቲ ተኻቲቶም ሓይሊ ፀላኢ ንምድምሰሳስን ንምቅላስን ከምዝወሰኑ ገሊፆም።

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ብሄረሰብ ኣይተ እንግዳ ዳኛው፥ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዘመሓላለፎ ፃውዒት ክተት ብምቕባል ኣብቲ ዞባ ዝተዓጠቑ ኣባላት ሚሊሻ ናብ ግምባር እናዘመቱ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ሙሉእ ብሙሉእ ብምድምሳስ ብዓቢዩ ዓወት ንኽምነለሱ ነቶም ኣባላት ፋኖ መልእኽ ምምሕልላፎም ካብ ኮሙዩኒኬሽን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ነበርቲ ከተማታት ገንዳ ውሃን መተማ ዮሃንስን ህልውና ሃገር ንምኽባር ዝቐረበ ፃውዒት ክተት ተቐቢሎም ብተግባር እናረጋገፁ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment