ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ሐረና ቡሉቅ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣  21 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሰለስተ ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ሐረና ቡሉቅ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

እቶም ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ፥ ሕብረተሰብ ብዝገበሮ ተሳትፎን ኣካላት ፀፅታ ብዝገበርዎ ዝተዋደደ ስራሕን ኢዩ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብምትኳስ ጉድኣት ንምብፃሕ ዝፈተኑ ክልተ ኣባላት ድማ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ናይቲ ዞባ መምርሒ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብተደጋጋሚ ናብቲ ዞባ ንምእታው ፈተነ እንትገብሩ ከምዝፀንሑ ዳይሬክተር እቲ መምርሒ ፖሊስ ኮማንደር ጄይላን ኣሚን ተዛሪቦም።

እቶም ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣባላት እቲ ጉጅለ ራዕዲ፥ “ድልየት ህዝቢ ኦሮሞ ከምዘይተረዳእና ዝፈለጥና ህዝቢ ብሓባር ብምዃን ወፂኡ ኣብ ቁፅፅር ምስ ኣውዓለና ኢዩ “ ኢሎም።

“ካልኦት ዝተረፉ መናእሰይ እውን ነዚ ሓቂ ክርድኡ ይግባእ” ክብሉ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment