ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ዝራእቲ ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ይጉብንዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወንጂ ዝራእቲ ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ዑደት ይግብሩ ኣለዉ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ኣይተ ጌቱ ገመቹ፥ ኣብቲ ዑደት ንዝተሳተፉ ዳያስፖራታት ልምዓት መስኖ ስርናይ፣ ኣቮካዶ፣ ፓፓያን ካልኦት ፍርያታትን እናተረኸበ ዝርከብ ውፅኢት ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

እቲ ዳያስፖራ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ንሃገሩ እናተሟተ ካብ ዘምፀኦ ውፅኢታዊ ስራሕ ጎድና ጎድኒ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ንኽሳተፍ ሓቲቶም።

ኣብ ውሽጢ ሃገር እናወሰኸ ዝመፅአ ፍርያታውነት ዳያስፖራ ሓገዝ ንኽገብርን ዕቤት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ብሓባር ጠጠው ንኽብልን ምዕሩይ ኣሰራርሓታት ከምዝተዘርግሑ ገሊፆም።

ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ዳያስፖራታት ዝተዓዘቡዎ ውፅታዊ ምድላው ፍርያትን ኣፈፃፅማን ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ዑደት ዳያስፖራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኸፍሪ ዓይኒ ዝኸፍት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ብፍሬህይወት ሰፊ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment