ኣባላት እቲ ኤጀንሲ ንሰራዊት ምክልኻል ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ከምዝልግሱ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታትን ኣባላትን ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ንሰራዊት ምክልኻል ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ከምዝልግሱ ኣፍሊጦም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ፍቓድ ዝተመርኮዘ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ሹመቴ ግዛዉ፥ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ውሑዳት ዘይበሃሉ ኣባላት ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ናብ ግምባር ንዝማት ድሌት ከምዘርአዩ ገሊፆም።

ከም ሃገር ንምቕፃል ሓለፊነት ኣለና ዝበሉ ዶክተር ሹመቴ፥ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ብምባል ሓላፍነትና ክንዋፃእ ኢና ምባሎም ካብ ኢመደኤ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment