ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ፕሮጀክታት ህንፀት መስኖ ዝረኣዩ ፀገማት ብሕብረተሰ ቅርታ ከምዝፈጠሩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓበይቲ ህንፀት ፕሮጀክታት መስኖ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ሕብረተሰብ ቅርታ እናፈጠሩ ከምዝኾኑ ኣባላት ባይ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም፡፡

6ይ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኣባላት እቲ ባይቶ ንሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ሕቶታት ኣቕሪቦም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ፕሮጀክታት መስኖ ዝተሓላለኹ ፀገማት ከምዘለዉ ብምፅራሕ መፍረያይነት እቲ ዓውዲ ንምድንፋዕን እናተሃነፁ ኣብ ዝርከቡ ፕሮጀክታት መስኖ ንዝረኣዩ ፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ እናሰርሖም ዝርከቡ ስራሕቲ ሓቲቶም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ህንፀት ፕሮጀክታ መስኖ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ሕብረተሰብ ቅርታ እናፈጠሩ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ፕሮጀክታት ብምዝዛም ንዝተሓሰበሎም ዕላማ ንኽውዕሉን ኣገልግሎት ክህቡን ኣብ ምግባር እናተሰርሐ ዝርከብስራሕ ንኽግለፅ ሓቲቶም፡፡

ሕርሻ ንምዝማን ግደ ሙሁራን ዝለዓለ ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ ትካል ዝተዋደደ ኣሰራርሓን ሞያዊ ሓገዝን ኣብ ምሃብ ዝርከበሉ ብርኪ ኣመልኪቶም ሕቶ ኣቕሪቦም።

ብየሻምበል ምህረት

Comments (0)
Add Comment