ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበሩ ሕቶታት ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) የቕርቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበሩ ሕቶታት ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) የቕርቡ ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ፦

  • ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሃነፀ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ትሑት ምንቅስቓስ ንግዲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ዜጋታት ንዝኸፍአ ፀገም ንከይቃልዑ መሊስካ ኣብ ምጥያሽ ዝተሰርሑ ስራሕቲ አንተሃሊዮም
  • ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ እንታይ ብርኪ ኣሎ
  • ሓፈሻዊ ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ኣብ እንታይ ብርኪ ኣሎ? ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ናህሪ ናብራ ንምቕራፍ አንታይ ተተሊሙ ኣሎ
  • ኣብ መርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቅድመ ሐዚ ንዝተተኸሉ ፈልሲታት ዝግበሩ ክንክናት ኢሉ እውን ኣብ ቀፃሊ ንዝትከሉ ብዝምልከት ሓፈሻዊ መብርሂ እንተዝወሃብ
  • ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ምውዛዕ ዘበናዊ ዱኽዒ ብዝምልከት ኣብ ውሱናት ከባቢታት ፀገም ከምዘሎ ይለዓል፤ ኣብ ቀፃሊ እዞም ፀገማት ንምቕራፍ አንታይ ይስራሕ ኣሎ?

ፀገም ግዕዝይናን ገበንን እናተጋደደ ምምፅኡ ዋና ኦዲተር ፌዴራል ዘውፅኦ ፀብፃብ የርእይ፤ እዚ ሱር ዝሰደደ ፀገማት ግዕዚይናን ገበንን ንምክልኻል መንግስቲ ቁርፀኛ ዲዩ?

Comments (0)
Add Comment