ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ደም ለሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ንሰራዊት ምክልኻል ደም ለሶም።

ኣፈ ጉባኤ ባይተ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ሎሚ በዶ፣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽ ፌዴሬሽን ዛህራ ሑመድ ሓዊሱ ክልቲኦም ሰራሕተኛታትን ኣባላትን ክልቲኦ ኣቢያተ ምኽሪ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደም ለጊሶም።

“ደምና ንሰራዊትና” ብዝብል መሪሕ ቃል ልገሳ ደም ዘካየዱ እቶም ኣባላት ኣቢያተ ምኽሪ ንሰራዊት ምለክልኻል ሃገር ኩለመዳይ ሓገዝ ምግባር ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ግምባር እናተዋደቑ ንዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር÷ ብልገሳ ደም፣ ብገንዘብን ዓይነትን ዝግበሩ ሓገዛት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment