ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ኣኼብኡ የካየድ ኣሎ።
ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ምዕራብ ወለጋን ጋምቤላን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ኣውጊዞም።
እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ፥ ኣብ ቀፃሊ ነቶም ግዳያት ብምድጋፍ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ጎኒ ንጎኒ ክጠናኸር ከምዝግባእ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ሸኔን ካልኦት ሓይሊታት ግብረ ራዕዲን ሃገር ንምፍራስ ብዙሕ እዋን ፈቲኖም ስለዘይተዓወተሎም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፈፀምዎ ጨፍጫፍ ዘሕዝን ኢዩ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ነቲ ተግባር ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ብፅኑዕ ከምዘውገዘ ተዛሪቦም።
ካብዚ ሓሊፉ እቶም ፅንፈኛታት ሓቢርካ ናይ ምንባር ክብሪ እዛ ሃገርን ሞራላዊ ደቂ ሰባትን ዘዕንው ኣናዋሪ ተግባር ከምዝፈፀሙ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ኣመራርሓ መንግስቲ ብከባቢያዊነት ከይተሓፀረ ፀገማት ፀፅታ ብሓባር ብምፍታሕን ተሓታትነት ብኣግባቡ ብምርግጋፅን ክሰረሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታትን ስራሕቲ እቲ ፓርቲን ተዛቲዩ ኣብ ቀፃሊ ንዝፍፀሙ ተግባራት ኣንፈት ከቐምጥ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ዘሳለጦ ኣኬባ ኣብ ወሰንቲ ሃገራዊ ዛዕባታትን ስራሕቲ እቲ ፓርቲን ብምዝታይ ኣንፈታት ምቕማጡ ይዝከር።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።