ኣባላት ማሕበረሰብ ትምህርቲን ፖሊሲን ዝራእቲ ስድራ ዘመትቲ ይእክቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝምራሕ ኣባላት ማሕበረሰብ ትምህርቲን ፖሊሲን ዘማእኸለ ጉጅለ ዝራእቲ ሰድራ ዘመትቲ ይእክብ ኣሎ።

ኣብ ትሕቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ትምህርቲን ኣባላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ዘማእኸለ እቲ ጉጅለ÷ ኣብ ክልል ኦሮምያ ፍሉይ ዞባ ዙርያ ፊንፌኔ ከባቢ ሰንዳፋ ዝበፅሑ ዝራእቲ ኣብ ምእካብ እናተሳተፉ ይርከቡ።

ከንቲባ አዳነች አቤቤ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም።

ሓደጋ ህልውና ንምምካት ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ዓውዲ ኩናት ካብ ምስላፍ ብተወሳኺ ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ዝሳተፍሉ ምልዕዓል ከምዝጀተመረ ይዝከር።

በዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ትምህርቲ፤ ዝራእቲ ስድራ ዘመትቲ ኣብ ምእካብ ግድኦም እናተዋፅኡ ከምዝርከቡ ኣግልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment