ኣባላት መርማሪ ቦርድ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮቪድ19 ንምክልኻልን ፍልፍል እቶት ዘይብሎም ነበርቲ ንምሕጋዝን ኣብ ዘተኣኻኸቦም ንብረታት ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮቪድ19 ንምክልኻልን ፍልፍል እቶት ዘይብሎም ነበርቲ ንምሕጋዝን ኣብ ዘተኣኻኸቦም ንብረታት ዑደት ኣካይዶም።

ሓላፊ ቦሮ መተሓባበሪ መናእሰይን ገበርቲ ሰናይን ኣይተ ኣብርሃም ታደሰ፥ ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ብማሕበራትን ብውልቀሰብን ዝተወደቡ 3 ሺሕን 884 ገበርቲ ሰናይ መናእሰይ ናብ ስራሕ ከምዝተዋፈሩ ተዛሪቦም።

እቶም ገበርቲ ሰናይ መናእሰይ፥ ገንዘብ ሓዊሱ ሃፍቲ ምትእኽኻብ፣ ህዝቢ ኣብ ዝበዝሐሎም ከባቢታት መዕበዪ ግንዛበ ትምህርቲ መሃብን ምሕፃብ ኢድን፣ ደም ምልጋስ፣ ከምኡ እውን ዝተኣከበ ሃፍቲ ኣብ መኻዚን ናይ ምኽዛን ስራሕቲ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ካብ ዝተኣከቡ ሓገዛት ዘይተጠሓነ ጣፍ፣ ስርናይ፣ ምሸላ ባሕሪ (ዒልቦ)፣ ሕሩጭ ፊኖ፣ ዘይቲ ብልዒ፣ ፍርናሽን ኮቦርታታትን፣ ፓስታን ሞኮሮኒን፣ ኣቑሑት መናፅሂን ከምዝርከቡዎ ኣብሪሆም።

ኣባላት መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብግደኦም፥ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ እቲ ተላባዲ ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኸፍአ ጉድኣት ከየብፅሕ ዝገበሮ ቅድመ ምድላው ንኢዶም።

ገንዘብ ሓዊሱ ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝተኣከቡ ሃፍቲታት ንብኽነት ከይቃልዑን እንትከፋፈሉ ካብ ኣድልዎ ዝረሓቑ ክኾኑ ንምግባርን ግቡእ ክትትል ምግባር ይግባእ ምባሎም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment