ኣባላት ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ሃረሪ ክልል ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ሃረሪ ክልል ኣብ ክሊ ኣሰራርሓ፣ ስነ ምግባርን ደንቢን ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ ተባሂሉ።

አፈ ጉባዔ እቲ ቤት ምኽሪ ወ/ሮ ኣዲስዓለም በዛብህ÷ ኣብ ሻድሻይ ምርጫ ተወዳዲሮም ናብቲ ቤት ምኽሪ ዝኣተዉ ኣባላት ህዝቢ መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ኣተሓሳሲበን።

ብፍላይ ንልምዓት ህዝብን ሰናይ ምምሕዳርን ሕቶታት ህፁፅ ምላሽ ምሃብ ትኹረት ብምሃብ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢረን።

እተም ኣባላት ብግደኦም፥ ህዝቢ ዝሃቦም ሓላፍነት ብብቕዓት ንምውፃእን ናብራ ማሕበረሰብ ንምምሕያሽን ግደኦም ከምዝዋፅኡ ገሊፆም።

ብተሾመ ሃይሉ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment