ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ 1 ክሳብ 30 ነሓ2014 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ስሩዕ ኣገልግሎት ዳይነት ምሃቦም ከምዝኽቕፅሉ ተገሊፁ።
ብመሰረት ኣዋጅ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ቁፅሪ 1234/13 አንቀፅ 38(2)፥ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ 1 ነሓሰ ክሳብ 30 መስከረም ኣብ ዘሎ እዋን ዕፁዋት ንኽኾኑ ይድንግግ፡፡
በዚህ ጊዜ ውስጥ ዳኞች ባላቸው የትርፍ ጊዜ አስቸኳይ የሆኑ ጉዳዮችን ብቻ ሊያስተናግዱ እንደሚገባም አዋጁ ያስቀምጣል፡፡
ይኹን እምበር ናብ 2015 ዝሓልፉ ቁፅሪ መዛግብቲ ንምንካይ፣ ዝበሰሉ መዛግብቲ መዕለቢ ንመሃብ፣ እሱራት ዘለዎም መዝገብ ቅድሚት ተዋሂቡ ንምስራሕ ንኽሕግዝ ኣብ ሰናይ ፍቓድ ዳያኑ ብምድራኽ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ 1 ክሳብ 30 ነሓ2014 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ስሩዕ ኣገልግሎት ዳይነት ምሃቦም ከምዝኽቕፅሉ ተሓሩ።
ጉዳያት ገበን ብዝምልከት እሱራት ዘለዎም መዝገብ ቅድሚት ተዋሂቡዎ መዕለቢ ንኽረኽቡ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com