ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ብኽፋል ዓፂየንኦ ዝነበራ ስራሕቲ መጋባእያ ካብ 13 ሓምለ ክጅምራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ ወርሒ 10 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚረን ብኽፋል ዓፂየንኦ ዝነበራ ስራሕቲ መጋባእያ ካብ 13 ሓምለ 2012 ዓ.ም ጀሚረን በቢብርኩ ስሩዕ ስረሐን ከምዝጅምራ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ካብ 13 ክሳብ 30 ሓምለ 2012 ዓ.ም ኣብ ኩለን ኣቢያተ ፍርዲ ናይ መልሲ መልሲ፣ ርኢቶ፣ ውፅኢት ማእዘዝቲ ንምቕባል ዝተቖፀሩ ከምኡ እውን ዕልባት ንመሃብ ውሑድ ከይዲ ዝተረፎም ጉዳያትን እሱራት ዘለዉዎም መዛግብቲን ኣብ መዓልቲ ቆፀሮኦም ንምስትእንጋድ ከምዝስራሕ ኣቐባሊ ቓል ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ምክትል ፕሬዚዳንት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲን ኣይተ ተስፋዬ ነዋይ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ግን ዝረኣዩ ጉዳያት ህፁፃት ምዃኖም ብዳያኑ፣ ቤት ፍርዲን በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ዘይእመነሎም እንተኾይኖም ንዝቕፅል ዓመት ቆፆሮ ከምተሓዘሎም ኣብሪሆም።

ሰበር ሰማዒ መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ብዝምልከት ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከቡ ሰብ ጉዳያት ዝቐርቡ ስምዕታታት ክተኣናገዱ ኢዮም ተባሂሉ።

ካብ ክልል ንዝመፅኡ ጉዳያት ሰበር ድማ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል እንትበሃል እቲ ቤት ፍርዲ ተለዋጢ ኣንፈት ስራሕ ኣብ ዝህበሉ ኣብ ቀፃሊ እዋን ከምዝተኣናገዱ ገሊፆም።

ኣብ ኩሉ ብርኪ ዝርከባ ኣቢያተ ፍርዲ ዝወሃቡ ግልጋሎታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝወፅአ ደምቢ ተኸቲሎም ከምዝወሃቡ እውን ኣገንዚቦም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዝኾነ ይኹን ተገልጋሊ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እንተዘይገይሩ ናብ ቀፅሪ ቤት ፍርዲ ንኸኣቱ ከምዘይፍቀደሉ ተሓቢሩ።

ቤት ፍርዲ እውን ንአገልግሎት እኹል ዝኾነ እታወት መሐለዊ ፅሬት ብምምላእ ግልጋሎት ከምዝህብ ኣይተ ተስፋዬ ነዋይ ገሊፆም።

እተን ኣቢያተ ፍርዲ፥ ሓደሽቲ መዛግብቲ ማለት እውን ቀጥታ ክሲ፣ ሕቶ ይግበአኒን ናይ ኣፈፃፅማ መዝገብን ካብ 1 ክሳብ 30 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ምርኣይ ከምዝጅምራ እውን ኣፍሊጦም።

ወርሒ ነሓሰ እዋን ዕረፍቲ ዳያኑ ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት፥ ዘለዉ ብዙሓት መዛግብቲን ፅዕንቶታትን ንምንካይ ብዝብል እቲ ዕረፍቲ ናብ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ.ም ከምዝተሰጋገረ ገሊፆም።

ብታረኛታት መጋባእያ እናተኣናገዱ ዝነበሩ ጉዳያት ብተመሳሳሊ ኩነታት ከምዝቕፅሉ ተገሊፁ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment