ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቢያተ ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ፌዴሬሽን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ክልላት ንመበል 1 ሺሕን 443 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ንመበል 1 ሺሕን 443 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
ብተመሳሰሊ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፥ እዋኑ ከም ሃገር ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ብዝኾኑ ተኸታተልቲ ቀውሲታት እናተደራረቡ ዝተመላለሱሉ እዋን ስለዝኾነ መሳገሪ መገዲና ኣብ ማዕርነት ዝተመርኮሰ ሓድነት ብዝህነፅ ኢትዮጵያዊ ሕውነት ከምዝኾ ካብ ታሪኻዊ ተሞክሮታት ይኹን ወድዓዊ ኩነታት ምርዳእ ይግባእ ኢሉ፡፡
መበል 1 ሺሕን 443 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ምኽንያት ብምግባር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳን እውን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።