ኣበ ድርድር ግድብ ህዳሰ ሓበራዊ ተረባሕነት ብዝሓለወ መገዲ ንኽካየድ ኣባላት “ብላክ ኮከስ” ኣሜሪካ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ድርድር ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ብዝገበረ መገዲ ንኽካየድ ኣባላት “ብላክ ኮከስ” ኣሜሪካ ሓቲቶም።

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ፥ ሕዚ እውን ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነትን ምትሕብባርን ዝተመርኮሰ ሰላማዊ ድርድር ክገብራ ይግባእ ኢሉ።

እቲ ድርድር ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነትን ዓከም ለኸ ሕጊታትን ዝሓለወ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

እቲ ግድብ ኣብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዝኾነ፥ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምልኣኽ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፆም።

እቶም ኣባላት ብላክ ኮከስ፥ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለም ለኸ ተዋሳእቲን ኢትዮጵያ ሱዳንን ግብፂን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2015 ዝፈረመኦ ሰለስተኣዊ ስምምዕ ከኽብሩ ይግባእ ኢሎም።

ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ምኻር ጠቓሚ ግደ ክፃወታ ከምዝግባእ እውን ፀዊዖም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment