ኣቕርቦት ኣባይቲ ከተማታት ናብ 84 ሚኢታዊት ክብ ንምባል ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣቕርቦት ኣባይቲ ከተማታት ናብ 84 ሚኢታዊት ክብ ንምባል ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ሔለን ደበበ፥ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይገብር ከምዝነበረ ተዛሪበን።

ይኹን አንበር ሐዚ እውን ብዙሓት ስራሕት ንምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበርሉ ሓቢረን።

እተን ሚኒስትር ዲኤታ ነዚ ዝበላ፥ ሃዋሳ ዩኒቨርሲቲ ምስ ዊትዋተርስራንድ ዪኒቨርስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝሰርሕዎ ናብራ መናእሰይ፣ ኩነታት ዕድል ስራሕ፣ ጉዳያት መንበሪ ኣባይቲን ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ብዝምልከት ዝተገበረ ምርምር ወግዓዊ ኣብ ዝተገበረሉ መድረኽ ኢዩ።

ኣብ ህንፀት ኣባይቲ ከተማታት ብዙሓት መናእሰይ ተሳተፍቲ እንተኾኑ እውን፥ ንዓታቶም ሰብ ዋና ኣብ ምግባር ብዙሕ ስራሕቲ ከምዘድሊ እውን ገሊፀን።

ስለዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ምስ ውልቀ ትካላት፣ ዩንቨርስቲታት፣ መዳርግቲ ትካላትን ትካላት ምርምርን ብሓባር ከምዝሰርሕ ተዛሪበን።

ኣቕርቦት ኣባይቲ ከተማታት ብዝምልከት ሐዚ ዘሎ 64 ሚኢታዊ ናብ 84 ሚኢታዊት ክብ ንምባል ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ብመቅደስ ኣስፋው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment